ዓለማዊ ትካል ፋይናንስ ኣከባቢ (GEF)፡ ኤርትራ ኣንጻር ብከላ መሬት፡ ዕቀባ ህይወታዊ ብዙሕነትን፡ ምክልኻል ለውጢ ኣየርን ንእተካይዶ ዘላ ጻዕርታት ንምድጋፍ፡ 8.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘጽደቐ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ንኤርትራ ናብ ግብ ዝበለ ጸላም ቁልቁለት ዝመርሓ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃብቲ ሃገር ንኲናትን ወተሃደራዊ መዓላን ዘውዕል ጉጅለ ብምዃኑ ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ብስም ኤርትራ ዝገብርኦ ገንዘባዊ ድጋፍ፡ ስግኣት እቲ ጉጅለ ኣብ ምሕያል ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ እዩ ዝእመን።
ብመሰረት ሓበሬታ ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ዘላቒ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን፡ ህይወት ሕብረተሰብ ንምምሕያሽን ዝዓለመ ሓድሽ ተበግሶ፡ ብምትሕብባር ምኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ህግደፍ፡ ከሙኡ ውን ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ዝፍጸም ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ልክዕ ከም ዝሓለፈ ዓመታት፡ ነዚ ሕጂ ዝቕበሎ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ውን እንተኾነ ፡ ቀጻሊ ባርነት ንምርግጋጽ ከም ሰናይ ዕድል ተጠቂሙ፡ ዜጋታት ኣብ ምብስባስን መንእሰያት ኣብ ምክልባትን ክጥቀመሉ ምዃኑ ርጉጽ እዩ።
እዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮጀክት፡ ምስ ምርቃቕ መሬት፡ ለውጢ ኵነታት ኣየር፡ ምጉዳል ፍርያምነት ሓመድን ዋሕዲ ውሕስነት መግብን ንዝተኣሳሰሩ ብድሆታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኸውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ተበግሶ እዚ፡ ስነ-ህይወታዊ ኣከባቢ ብምሕዳስ፡ ምስ ለውጢ ኣየር ዝሳነ ሕርሻ ብምስፋሕን፡ ስርዓተ-ምሕደራ ብምሕያልን፡ ኩሉ ዘጠቓልል ኣገባብ ዝኽተልን፡ ዓቕሚ ሓረስቶት ንምሕያል ዕላማ ዝገበረን ምዃኑ’ኳ ዝንገር እንተኾነ ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ግን ካብ ቀለብ ሰራዊትን ስንቂ መዐደጊ ጠያይትን ምዃን ሓሊፉ፡ ኣብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝህልዎ ኣበርክቶ ትሕቲ ዜሮ ምዃኑ’ዩ ዝእመን።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቲ ንጉጅለ ህግደፍ ዝወሃብ ደገፋት፡ ኣብ ባይታ 6,294 ሄክታር ዝረቐቐ መሬት ከሕዊ፡ ኣብ 11,851 ሄክታር ሕርሻ፡ መጓሰን መሬት ኣግራብን ከኣ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ መሬት ከተግብር ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ብደረጃ ሕብረተሰብ 50% ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ልዕሊ 25,000 ዜጋታት ካብዚ ፕሮጀክት ተረባሕቲ ክኾኑ ምዃኖም ዝጠቅስ እኳ እንተኾነ ፡ ነጻ ጉልበት ዝለመደ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ሕጂ ውን ነዚ ተባሂሉ ዘሎ ገንዘባዊ ደገፋት ተቐቢሉ ፡ ጉልበት ዜጋታት ብምምዝማዝ ከጠፋፍኦ ምዃኑ ፡ መንነት እቲ ጉጅለ ዘቀምጦ ሓቂ እዩ።
ቀዋሚ ወኪል ፕሮጀክት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ፓላሚን በያይ፡ ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እዚ ተበግሶ’ዚ ንተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ገጠራት ኤርትራን ግዚኡ ዝሓለወ ጽቡቕ ስትራተጅያዊ ወፍሪ ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ስነ-ህይወታዊ ኣከባቢ ብምሕዳስን ውሕስነት መግቢ ብምርግጋጽን፡ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ኣከባብያዊ ውሕስነትን፡ ኵሉ ዘጠቓልል ልምዓትን ክረጋገጽ ዝሕግዝ ከምዝኸውን እምነቱ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝረአ ለውጥን ቁጠባዊ ርግኣትን ዘሻቅሎ ጉጅለ ህግደፍ ግን ሃገር ኣብ ምህናጽ ከውዕሎ እዩ ኢልካ ምእማን፡ ዕሽነት ምዃኑ’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።፡
ምኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሰ፡ ብምትሕብባር መንግስቲ ህንዲ ኣብ ዝተዳለወ ሳልሳይ ዋዕላ ድምጺ ዓለምለኻዊ ደቡብ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኤርትራ ንዓለማዊ ጋዝ፡ ልቀትን ብከላን እተበርክቶ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ግን ሓንቲ ካብተን ዝያዳ ዝተሃሰያ ሃገራት ምዃና ኣረዲኡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ብስም ኤርትራ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ዝበጽሕ ብርክት ዝበለ መጠን ገንዘብ፡ ኣበይ ይውዕል ምህላዉን፡ ንኣብ ዜጋታት ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ተጽዕኖን ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ዘቀምጥ ኣካል ኣይረአን።
ብርክት ዝበላ ዓለምለኻውያን ትካላትን፡ ገለ ገለ ሃገራትን፡ ስደት ዜጋታት ኤርትራ ንምግታእን፡ ቁጠባዊ ርግኣት ንምርግጋጽን፡ ንጉጅለ ህግደፍ ገንዘባዊ ደገፋት ኣብ ምግባር ብሰፊሕ ክንቀሳቐሳ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ናብ ልምዓትን ቁጠባዊ ርግኣትን ዝወፍር ጉጅለ ብዘይ ምዃኑ ፡ እቲ ዝገብሮኦ ደገፋት ኣብ ጁባ ዝተወሰኑ ሰብ ግዜ ከምዝኣቱ’ዩ ዝፍለጥ።