ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መርከብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ገሊጻ።
ኢስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ንመስመር ማይ ወሽመጥ ሆርሙዝ ከም ዝዓጸዎን፡ ንወራር ኣመሪካ ውን ከቢድ ምላሽ ከም ዝህብን ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ በዚ ዝተቆጠዐት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት’ያ ገሊጻ ትርከብ።
ኣሜሪካ ኣብ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኢስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ውሽጢ ናይ ሰዓታት ፍልልይ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ከምዝሃረመ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቀጠር፡ ኩዌትን ባሕሬንን፡ ካብ ኢራን ንዝተወንጨፉ ሚሳይላት ንምምካን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይጥቀማ ምህላወን’ዩ ዝንገር።
ኢስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ባንዴራ ቆጵሮስ ኣንበልቢላ ኣብ ጉዕዞ ንዝነበረት መርከብ ብግሉጽ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምህራሙ፡ ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣብዚ ሰሙን ሳልሳይ ዙርያ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ክልቲኤን ሃገራት ናብ ምሉእ ኲናት ይምለሳ ምህላወን እዩ ዝንገር።
መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ፡ ንናይ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መዓስከር ሓዊሱ፡ ንመደበር መራኸቢ መርበባትን፡ መደበር ምክትታል ገማግም ባሕሪ ዘጠቓልል 140 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዝወቕዐ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኢራን ከም ግብረመልሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከብ መዓስከራት ኣሜሪካ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ምፍጻማ እያ ትገልጽ።
ሴንትኮም ኣመሪካ ኣብ ናይ ኤክስ ( X )ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ፡ ኢራን ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊት መርከብ ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ድሕሪ ምስካሙ፡ ኢራን ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ንምኽባር ዕድል ተዋሂብዋ እኳ እንተነበረ፡ ይኹን እምበር ክትጥቀመሉ ከምዘይከኣለትን፡ ከምዝፈሸለትን’ዩ ዝገልጽ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ፒት ሄግሰት ብወገኑ፡ ምስ መግለጺ ሴንትኮም ዝመሳሰል ቃል ዝሃበ ኮይኑ፡ “ኢራን ድኹም ምርጫ ምውሳዳን፡ ግቡእ ዋግኣ ክትረክብ ምዃናን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ ።
ኢስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝርከቡ፡ ብርክት ዝበሉ መደበራት ገማግም ባሕሪ፡ ግምብታት ቴሌኮሙኒኬሽንን ካልእን ዒላማ ከምዝገበረት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀዳማይ ምዕራፍ ሕነ ምፍዳይ ኢራን፡ ኣብ ዮርዳኖስ ንዝርከብ መደበር ኣየር ልኡል ሓሰን መጥቃዕቲ ዘጠቓለለ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ማእከል ትእዛዝን ቁጽጽርን ናይቲ መደበርን ከምዘዕነወቶ ውን’ዩ ዝገልጽ።
ትማሊ ሰንበት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኢራን ኣብ ዘይተፈቕደ መስመር ክትጓዓዝ ኣብ ዝፈተነት መርከብ ብሚሳይል ድሕሪ ምህራማ ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ ዝወሃብ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከምዝዓጸወት ገሊጸን ነይረን።
ተደጋጋሚ መምርሒታት ዕሽሽ ብምባል “ብናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ ተሃሪማ ደው ኢላ” ይብል እቲ ኣብ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝተመሓላለፈ መግለጺ።
ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ኣመሪካ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ “ብኽብደት” ምላሽ ከምዝወሃቦን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሓደስቲ መደበራት ዒላማ ከምዝኾናን ኣጠንቂቑ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሰለስተ ንግዳዊ ታንከራት ብማያት ዖማን ኣቢለን ብኣመሪካ ዝመኸረቶ መስመር ክሰግራ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን መጥቃዕቲ በጺሕወን እዩ።
ኢራን ብተደጋጋሚ እቲ እንኮ “ውሑስ” መስመር ብማያታ ዝሓልፍ ፍሉይ መስመር ምዃኑ ገሊጻ’ያ።
እዚ ፍጻመ ካብ ኣመሪካ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ከምዘስዓበን 17 ሰባት ከምዝሞቱን 115 ድማ ከምዝቖሰሉን ሰበስልጣን ኢራን ገሊጾም።
ኢራን ድማ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ትህብ ኣላ።