ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን; ህሉው መድረኽ ዝጠልቦ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተሉ ከምዝግባእ ለበዋ ቀሪቡ።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድማ ብፍላይ ዝኽተልዎ ኣገባብ ቃልሲ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝጭፍለቕ ዘሎ ህዝብና ሞራልን ተስፋን ዝህብን ንሓድነት ተቃለስቲ ዘደልድል ክኸውን ከምዝግባእ ተሓቢሩ።
እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ናብ ኤሪፒኤም ኣብ ዝለኣኽዎ ምሕጽንታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ፍትሒ ንዝኽሰት መሰረታዊ ክኸውን ዘይግብኦ ፍልልያት መዝሚዙ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕን ህዝብና የጽንትን ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ኣስዒቦም ኣብ ምዝርጋሕ ሓበሬታን ጎስጓስን ከምኡ’ውን ኣብ ምንቕቃሕ ህዝብናን ምቅላዕ ገበናት ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ቅድመ ግንባር ተዋፊርና ዘለና ኤርትራውያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ነቲ ሓያል ዘራኽበና ጉዳያት ዓቂብናን ፍልልያትና ብልዝብ ኣጽቢብናን ዕምሪ ጉጅለ ህግደፍ ንምሕጻር ቀዳምነትና ክኸውን ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ እናጓሕጉሐ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምዕፋንን ጽልኢ ንምስዋርን ሓድነት ህዝብና ንምልሕላሕን ለይትን መዓልትን ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ’ውን ዘለና ዕድላት ክንጥቀመሉን ዓቕምታትና ጠርኒፍና ክንሰርሕን መድረኽ ዝጠልቦ ዕማም ኢዩ።
ብተወሳኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ብምድራትን ህዝብና ኣገልግሎት ኢንተርነትን መብራህትን ንኸይረክብ ከልኪልዎ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ብቐጻሊ ዝዝርግሖ ትምዩን ሓበሬታ፡ ገበናቱ ንምሕባእን ህዝቢ ኤርትራ ግዳማውያን ጸላእቲ ከምዘለውዎን ንመንነቱን ክብሪታቱን ዘንጸባርቕ ቅዋምን ምሕደራን ከይሃንጽን ብተስፋ ጥራይ ከምዝነብርን ዝበለጸ መጻኢ ከምዘለዎ ንኸይሓስብን፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝበልጽ ስርዓት ከምዘየለን ከእምን ይጽዕር ኣሎ።
እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት መዋእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ፡ ኩናት ድኽነት፡ ምሕያር፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ስእነት መድሃኒትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ዝረኣዮ ሰናይ ነገርን ሰላምን ክብረትን ስለዘየለ፡ ንሕሉፍ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘኪሩ ንባርባራዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ዝቅበለሉ ምኽንያት የብሉን።