ጉጅለ ህግደፍ: ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ዝብሓቱን ኣረጋውያንን ስማውያን ሚኒስተራቱ ምስሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርግሑ ይቑጣዕ።
ኣብቲ ሓጋጊ: ፈጻሚ: ፈራዲ ኣካላት መንግስቲ ከምኡ’ውን ቅዋም: ባይቶ: ምርጫ: ግሉጽነትን ስሩዕ ባጅትን ዘይብሉ ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ዝበሓቱን ብእርጋን ጸገም ጥዕናን መዓልታዊ ዕማማቶም ብ ኣድማዕነት ክፍጽሙ ዘይክእሉ ሰበስልጣን ህሉዉ ምስሎም ከይዝርጋሕ የፈራርሕ ኣሎ።
መመላኽዒ ቀመማትን መድሃኒትን እናተጠቕመ ነቲ ብመስተን ዕድመ ብምድፋእን ዝተደወነ ገጹ ሰብ ክመስል ዝፍትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስውን ሓደ ካብቶም ዝዓጠረ ቆርበቶምን ኣብራኾም ዝጠለሞምን ኢዩ።
ነታ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ማዕከናት ዜና ዝተራእየት ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኖርሕሴን: ዝምልከት ርእይቶታት ምስተዋህበ: ጉጅለ ህግደፍ: “ነቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ንእስነቶም ዘወፈዩን ከነዕርፍ ዘይበሉ ጀጋኑ ኣመስግንዎም እምበር ኣይትንቀፍዎም” ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገኒሑን ኣፈራሪሑን።
ይኹን እምበር: ዕድላት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣጸልሚቶምን ገቢቶምን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝርከቦም ኣረጋውያን ሚኒስተራት: ስልጣኖም ነቲ ምስ ዘመናዊ ዓለም ተሳንዩ ዝጎዓዝ ንሓድሽ ወልዶ ምስዘረክቡ ‘ዩም ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሞሳን ምስጋናን ዝረኽቡ።
ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ብሕጊ ዝምእዘዝ መንግስቲ ስለዘየለ: ምርጫን ምትኽኻእ ስልጣንን ኣይፍለጥን ኢዩ።