ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኣኼባታት ንዝቐረበሉ በዳህቲ ሕቶታት ካብ ምምላስ ይሕንግድ።
ጉጅለ ህግደፍ ዓመት መጸ ካብ ሃገሩ ዝተሰደ ኤርትራዊ ኣብ ዝእከበሉን፡ ናይ ጽልኢ መደረን ጎስጓስ ምእካብ ገንዘብን ዝካየደሉ ኣኼባታት፡ ካብ ደገፍቱ ንዝቐርበሉ በዳህቲ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ካብ ምምላስ ምሕንጋዱ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፥ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን፡ ብካድራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት፥ “ናብ ሃገርኩም ኣቲኹም ርእሰማልኩም ኣውፍሩ፥ ሃገርኩም ህነጹ” ትብሉና ኣለኹም፥ እንተኾነ ብዘይ ስሉጥ ኣገልግሎት ባንኪ፥ ቀረብ ኤለክትሪክ፥ ኢንተርነት፥ ዝስተ ማይን መጓዓዝያን ብኸመይ ክንሰርሕ” ዝብሉ ሕቶታት ከምዝቐረበሉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፥ “እተዉ ጥራይ፥ ኣብ ቀረባ ግዜ ክፍታሕ ኢዩ” ዝብል፡ ልሙድ መታለሊ ቃልን፡ ናይ ባዶ መብጽዓን መልሲ ከምዝሃቦምን፡ ካብቲ መሰረታዊ መልሲ ሕቶ ክሃድም ከምዝፈተነን’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ሃገርና ህዝብና ክፍትሑ ዝጠልቦም መሰረታውያን ሕቶታት እኳ እንተለዉ፥ ካድራት ጉጅለ ህግደፍ ግን ኣብቲ ኣኼባታት፥ ውዳቤታት ህግደፍን ራብዓይ ግንባርን ክሕይል፥ ተጻብኦ ሰልፊ ብልጽግና ክምከት፥ ንልምዓትን ስድራ ስውኣትን ገንዘብ ክዋጻእ ዝብሉ ኣጀንዳታት ካብቶም ቀዳምነት ዝሃብዎም ጉዳያት ምንባሮም ተፈሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ፥ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት፥ ገበናቱን ፍሽለታቱን ንምጉልባብ፥ “ሃገርና ከይንሃንጽ ተጻብኦ ወያነን እገዳ ምዕራባውያን ዓንቂፉና” ክብል ከምዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኮይኑ፡ ሎሚ ድሕሪ’ቲ ምስ ወያነ ዝገበሮ ናይ ጥፍኣት ጽምዶ፡ ካብ ህዝቢ ንዝቀርበሉ ሕቶታት መልሲ ካብ ምሃብ፡ እተው ጥራሕ ብዝብል ድፉን መልሲ፡ ከታልሎም ይፍትን ምህላዉ’ዮም ምንጭታትና ወሲኾም ዝገልጹ።
ኣብ ሃገርና ዘሎ ክውንነት ብኣንጻሩ፡ ብሰንኪ ገባቲ ምሕደራን ቄናን ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍን፡ ዝርካቦም ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም፡ ርእሰማሎምን ዓቕሚ ሰቦምን ከውፍሩ ተገዲዶም ምህላዎም ዘረጋግጽ ክንሱ፡ ጸረ ለውጥን ምዕባለን ምዃኑ ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ዝኾነ ድልዉነትን ቀረብን፡ ናብ ሃገር ኣቲኹም ኣውፍሩ ክብል ምድፋሩ፡ ከም ኣመሉ ገንዘብ ግሩሃት ንምዝማት ዝወጠኖ መጻወድያ ምዃኑ ርዱእ ይገብሮ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ብሃገራዊ ኒሕ በብእዋኑ ሃገሮም ክሃንጹን እጃሞም ከበርክቱን ቦንድ ዝገዝኡን ትካላት ዝኸፈቱን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ከሲሮምን ምስራሕ ስኢኖምን ሓዲግ ተሪፎም ኢዮም።
ኣብ ኤርትራ ንብሕታዊ ወፍሪ ዘተባብዕ ብሕጊ ዝቕየድ ትካላዊ ኣሰራርሓ፥ መሰረታዊ ትሕት ቅርጺ ይኹን ብቑዕ መሳለጥያ ኣብዘይብሉ፥ ወዲ ሃገርን ወጻእተኛን ገንዘቡን ርሃጹን ከፍስስ ግብራዊ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ እንተድኣ ብሓቂ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ከካይዱን ህዝብና ክሓልፈሉን ዝብህግ ኮይኑ፥ ፈለማ እቲ ባዕሉ ፈጢርዎ ዘሎ ምምሕዳራዊ ሓጹራትን ፖሊሲታትን ከወግዶን ንወፍሪ ዝምችእ ብሕጊ ዝግዛእ፥ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣሰራርሓ ክህሉ ይግባእ።