መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኤርትራዊ ፓስፖርት ንዘለዎም ገየሽቲ/ተጓዓዝቲ፡ ሓድሽ ናይ መገሻ ገደብ ከም ዘተኣታተወን፡ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትዉ ከምዝኸልከለን ተገሊጹ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርትን ናይ travel document ሰነዳት ንዝሓዙ ኤርትራውያን፡ ሓድሽ ናይ መገሻ እገዳታት ከም ዘተኣታተወ ዘፍለጠ ኮይኑ፡
ነዚ ውሳነ ምስ ሰብ መዚ ኢሚግሬሽን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዝርራቡ ከም ዝወሰዶን፡ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምኳኑ’ዩ ወሲኹ ዝሕብር።
እቲ መገዲ ኣየር ኣተኣታትይዎም ዘሎ ሓደስቲ ሕግታት፡
ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ወይ ናይ መገሻ ሰነድ ዝሓዙ ተጓዓዝቲ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከምዘይፍቀደሎም፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዘለዎም፡ ወላ ሕጋዊ ቪዛ እንተለዎም ውን፡ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከምዘይክእሉ፡ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዙ ኤርትራውያን ግን፡ ወላ ውን ኣብ ኤርትራ ይወለዱ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ከምዝክእሉ’ዩ ዝገልጽ።
ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዘለዎም ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ቅድመ ኩነት ብዘቀመጠ መስርሕ በረራታት ክቕይሩ ከምዝኽእሉ ዘፍለጠ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ፡ እቶም ገያሾ ናብ ካልእ ሃገር ዝተረጋገጸ በረራ ክህልዎም፡ ወይ ከም ዝበሩ ክረጋገጽ ከምዘለዎ፡
ካላኣይ፡ ሻንጣኦም ወይ ባልጃታቶም ብቐጥታ ናብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኦም ክለኣኽ፡
ሳልሳይ፡ ትሕቲ 8 ሰዓታት በረራ ጥራሕ ክህልዎም፡
ራብዓይ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ቦታ (ወይ transit) ጥራሕ ክጸንሑ ከምዝፍቀዶም፡
ሓሙሻይ፡ ካብ’ቲ መሰጋገሪ ቦታ ክወጹ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከምዘይክእሉ።
ሻድሻይ፡ ካብቲ መሰጋገሪ ቦታ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ መዕረፊ-ኣጋይሽ (ሆቴላት) ክጥቀሙ ከምዘይክእሉ፡ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወን፡ ዘኽበረን መስመር በረራ ምስ ዝህልዎም ግን፡ ኣብ ቦሌ ክጸምሑ ፍቃድ ከምዝወሃቦም’ዩ ዘነጽር።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ገያሾ ዝተወስደ ናይ መገሻ ገደብ፡ ኢትዮጵያን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝጸንሓ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝተበትከሉ እዋን ዝተኸስተ ኮይኑ፡ ድሮ ብቁጽሪ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ገያሾ ካብ ቦሌ ኤርፖርት ናብ ዝመጽሉ ሃገር ክምለሱ ከምዝተገብረ እዩ፡ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።፡
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ 2026፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ኤምባሲኣ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ኣብ’ታ ሃገራ ዝጸንሑ 10 ዲፕሎማሰኛታት ህግደፍ፡ ድማ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጹ ምእዛዛ ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ምብታኹ ዝፍለጥ’ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ክገብሮ ብዝጸንሐ ኢድ ኣታውነት፡ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ከቢድ ግጭት ተጸሚዳ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ጸረ ሰላም ዝኮነ ጉጅለ ብሰንኪ ዝፍጽሞ ሽበራዊ ተግባራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ሂወቱ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ክወርዶ ምጽንሑን፡ ዘይምልከቶ ስም ይስከም ምህላውን ውን ኣይከሓድን።