ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተረኽቡሉ ናይ ድራር ስነ-ስርዓት፡ ነቲ ፕረዚደንት ንምቅንጻል ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘሰንበዶም ዝገለጹ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ፡ ነቲ ተግባር ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኦም።
ኣብ ዲሞክራሲ ዓመጽ ቦታ የብሉን ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀርመን ፍሪድሪሽ ሜርስ፡ ሓደ ካብቶም ናይ ኩነነ መግለጺ ዘቅረቡ መራሕቲ ዓለም ኮይኑ፡ ብረት ብምልዓል ዘይኰነስ ብብዝሒ ድምጺ ክንውስን ይግባእ” ጽብል ጽሑፍ ትማሊ ኣብ ናይ X ሕሳቡ ብምስፋር እዩ ተቓውሙኡ ገሊጹ ዝረኸብ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፡ “ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኹን ኩነታት ተቐባልነት የብሉን ዝበለ ኮይኑ፡ ሃገሩ ፈረንሳ ንፕረዚደንት ትራምፕ ምሉእ ድጋፍ ከምዘለዋ ወሲኹ ብምግላጽ’ዩ፡ ምሉእ ደገፉ ኣረጋጊጹ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብወገኑ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ፈተነ ኣጽዩ ከም ዝሰንበደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕን በዓልቲቤቱን ብዘይዝኾነ መጥቃዕቲ ደሓን ምዃኖም ከምዘሐጎሶን፡ ነቲ ተግባር ከምዝኮነኖን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕን ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ኣነጻጺሩ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሂልተን ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ናይ ድራር ስነ-ስርዓት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ምስ በዓልቲ ቤቱ፡ ጋዜጠኛታት ዋይት ሃውስ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም ምንባሮምን፡ ኣብቲ ሆቴል ተሓቢኡ ዝጸንሐ መንእሰይ ናይ ቶክሲ መጥቃዕቲ ከምዝተሰምዐን’ዩ ዝንገር።
ነቲ ስርሒት ዝፈጸመ ወዲ 31 ዓመት ተጠርጣሪ፡ ከይደንጎየ ተታሒዙ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጸጥታ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዓጢቅዎ ዝነበረ ኣጽዋር ተጠቂሙ ድሕሪ ዝኸፈቶ ምልውዋጥ ቶክሲ፡ ሓደ ፖሊስ እኳ እንተተሃርመ፡ ተኸዲንዎ ዝነበረ ጥይት ዝከላኸል ጃኬት ግን ካብ ሞት ከምዘትረፎ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ፈጻሚ ገበን ብምኳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ተጠርጣሪ፡ ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ተጓዒዙ፡ ኣብ ሂልተን ሆቴል class ሒዙ ከም ዝነበረን፡ ቀንዲ ዕላማኡ ውን፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓዊስካ፡ ኣባላት ምምሕዳር ትራምፕ ንምቅንጻል ምንባሩ’ዩ፡ ምንጪ ዜና (DPA) ጀርመን ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።