ምስ ሓሽሽ ብዝተተሓሓዘ ገበናት ብውሕዱ 65 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂቡዎም ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ኵነታት ከም ዝርከቡ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ብ28 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ ብ21 ሚያዝያ 2026 ውን ንሰለስተ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ድሮ ከም ዝቐተሉ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ ዝገለጸ ኮይኑ፡
እቶም ሰለስተ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ዝሃደሙን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተዓቁቡን ምኳኖም እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቶም ግዳይ ሞት ዝኮኑ ስደተኛታት ህይወቶም ንምድሓንን፡ ስራሕ ንምድላይን፡ ብገማግም ባሕሪ ዓደን ኣቢሎም ንየመን ብምቝራጽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝኣተዉ ወሲኩ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ሱዕዲ ዓረብ ንሰለስቲኦም ብሞት ድሕሪ ምቕጽዓ፡ ተወሳኺ ቅትለት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ደው ክብል ተጌሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዝወሰደቶ መሰረታዊ ግቡእ መስርሕ ዘይተከተለ ፍርዲ ስዒቡ፡ ንተግባራት እታ ሃገር ዝኮነነ ኮይኑ፡ ዘይጎነጻዊ ገበናት ዝፈጸሙ ስደተኛታት ንሞት ምፍራድ፡ ኣብ መሰላቶምን ህይወቶምን ዓሚቝ ሸለልትነት ዘንጸባርቕ’ዩ ተግባር ምኳኑ’ያ፡ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ላዕለወይቲ ተመራማሪት መሰላት ስደተኛታት ዝዀነት ናድያ ሃርድማን ትገልጽ።
ናድያ ሃርድማን ኣስዒባ፡ መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ዝኮኑ ኣካላት፡ ብእዋኑ ህጹጽ ምትእትታው ክገብሩ ይግባእ ዝበለት ኮይና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ስጉምቲ፡ ሚዛናዊ ከምዘይኮነ’ያ ትገልጽ።
ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ብገበን ዝተከሱ ስደተኛታት ናይ ሞት ፍርዲ ምብሕላፍ ተደጋጋሚ ግዜ ክትክሰስ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 26 ኢትዮጵያውያን ተወሲኑ ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ እንተተፈጺሙ፡ ከቢድ ቁጠዐ ክፈጥር ከምዝኮነ’ዩ ዝግመት።