ምምሕዳር ትራምፕ: ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣንቢሩዎ ዝጸንሐ በይናኣዊ እገዳ ከልዕሎ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ: ጉጅለ ህግደፍ ብሕሉፍ መርገጺታት ቻይናን ሩስያን ሕጉስ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ዜና ጉጅለ ህግደፍ ብ6 ግንቦት 2026 ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ: ነቲ ን20 ዓመታት ብምምሕዳር ኣመሪካ ዝተወስደ እገዳ ምኽኑይ ከምዘይነበረን እዚ ሕጂ ጀሚሩ ዘሎ ክልተኣዊ ጽምዶ ሃናጺ ክኸውንን ነቲ ዝሓለፈ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ክእረም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቅድሚ 20 ዓመት ብድፍኢት ኢትዮጵያን ኣመሪካን ምስ ምሕጋዝ ኣልሸባብ ናይ ሶማልያን ካልእ ክስን ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ እገዳ: ሩስያ ነቲ ውሳነ ክትቃወም እንከላ ቻይና ግን ድምጺ ትዓቅቦ ኢያ ገይራ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ጽቡቕ ድሌት ሩስያን ዓስቢ ዝሩግ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳኡን: ነቲ ምምሕዳር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸሞ ወራር ንበይኑ ክድግፍ ኣተባቢዕዎ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2018 ምስ ሰልፊ ብልጽግና ብዝፈጠሮ ውልዕ ኢሉ ዝቀሃመ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና: እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ: ብደገፍ ኢትዮጵያ ከምዝተላዕለ ይፍለጥ።
ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2020 : ኣብቲ “ሕጊ ንምኽባር” ብዝብል ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ምስ ሰልፊ ብልጽግና ተሰሊፉ ኤርትራውያን ኣህሊቁን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደል ፈጺሙን ኢዩ።
ከም ሳዕቤኑ ኣብ 2021 መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ሃገራዊ ድሕነትን በይናኣዊ እገዳ ወሲኑ ጸኒሑ።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ ምልዓልዚ እገዳ: ነቲ ሕሉፍ ስጉምቲ ዘይዕግበቱ ክገልጽን ጉድለት ከምዘይነበሮን ከእምን ኢዩ ዝፍትን ዘሎ።
እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ሰብን እዝግን ዝፈልጦን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሶማልያን ሱዳንን ጣልቃ ከምዝገበረን ገና እውን ይቅጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።
እንተቲ ነተን ብረብሓን ብመሸጣ ማዕድናትን ዕድጊ ኣጽዋርን ዝተዓራረኸን ቻይናን ሩስያን: ካብ ብቀደሙ ጉጅለ ህግደፍ ንስልጣኑ ክብል ብውልቃዊ ረብሓ እምበር ኣብ መትከላዊ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዝተሞርኮሰ ዝምድና የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ ልዕሊ ምስ ናይ ግዳም ዝምድና ምፍጣር: ምስ ገዛእ ህዝቡ ሕሳብ እንተዝገብርን ብሕጊ እንተዝሰርሕን: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እገዳን ካልእ ቁጠባውን ጸጥታውን ጸገማት ኣይምተፈጥረን።