ጉጅለ ህግደፍ: ከም መቐጸልታ መበል 35 ዓመት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ዘቕርቦ ዘሎ ናይ “ቅያ ሰሪሐን ተዓዊተን” ሓሶታት: ተወሳኺ ዝጠቀረ ድራማ የቕርብ ኣሎ።
ተለቪዥን ጉጅለ ህግደፍ ብ17 ግንቦት 2026 ኣብ ዘቕረበቶ መደብ: ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ብዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ መንበሪ ቤቱ ኣስመራ ብጥይት ተሃሪሙ ተባሂሉ ብኸቢድ ድሕሪ ምስንካሉ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝነበረን ብጉጅለ ህግደፍ ንኩነታት ጥዕናኡን ማህረምቱን ሃራሚኡን ዛጊት ብወግዒ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ መብርሂ ዘይተዋህበ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ቃለ መጠይቅ ኣካይዳ።
ኣብ እዋን ማህረምቱ ሚኒስተር ጽዓትን መዓድንን ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም: እቲ ኣብ ተለቭዥን ዝተራእየ ቃለ መጠይቕ መኣስ ከምዝተቀርጸ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ: መበል 74 ክፋል ስርሒት ፈንቅል ኲናት ደንካልያ ዝገልጽ ኮይኑ: የማናይ ኢዱ ከምዘይንቀሳቀስ ግን ኣብ’ቲ ስእሊ የመልክት።
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለ ህግደፍ: ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ካልኦት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዘደልዮምን ምስሎምን ወዳሲ ቃላቶምን እናተቆርጸ ክዝርጋሕ ጸኒሑ ኢዩ።
ተለቪዥን ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመላ: ኣብ’ቲ ቅድሚ ሳልስቲ ዝዘርግሓቶ መደብ : ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ከም በዓል ጴጥሮስ ሰለሞን: ቢተወደድ ኣብርሃ: ዑመር ጠዊልን ካልኦትን ዝኣመሰሉ: ኣብ ማሕዩር ጉጅለ ህግደፍ ዝርከቡ ምስሎም ከምዝሕከኽ ኮይኑ።
ጉጅለ ህግደፍ ብኣጋጣሚ መበል 35 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ቁጠባዊ ዕንወትን ዓቢጡ: ናይ ጃህራን ኣብ መሬት ዘየለን ናይ ሓሶት ዘመተ ኣብ ምዝርጋሕ ተጸሚዱ ኣሎ።