ሃገራዊ ባጀትን ተቆጻጻሪ ባይቶን ቅዋምን ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብጉልባብ “ስንኩላን ንምሕጋዝ” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ህዝቢ ገንዘብን ንዋትን ይእክብ ኣሎ።
እቲ ”ሓበን ኤሪ” ዝብል ስም ዘለዎን ኣብ 2022 ኣብ ኣመሪካ ኣትላንታ ጆርጅያ ዘይመንግስታዊ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ዝሕብር ማሕበር፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብማሕበር ስንኩላን ኤርትራ ዝካየድ መደባት ንምሕጋዝን መነባብሮን ጥዕናን ስንኩላን ንምምሕያሽ ዕላማ ከምዘለዎ ኣብ ድሕረ ገጽ መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።
ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት ጥራይ፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ኣጠሚቑ ካብ ኤርትራውያን ዝኣከቦ ሚልዮናት ዶላር ገንዘብን ናውትን ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብሉ ኣብ ዝተመደበሉ መዓላ ከይውዓለ ህጣሙ ኣጥፊኡን ተመንዚዑን ኢዩ።
ቅድሚ ሎሚ፡ ንምክልኻል ሃገር፡ ድራር ተጋደልቲ፡ ስድራ ስውኣት ንምጥዋር፡ ስንኩላን እግሪ ንምትካል፡ መግዝኢ ናውቲ ሕክምና፡ ንመስርሒ ቤት ትምህርትን ሆስፒታልን ዝብሉን ካልኦትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኽፉት ልቢ ዜጋታቱ ንምሕጋዝን ሃገሩ ንምህናጽን ዘወፈዮ ገንዘብን ንብረትን፡ መህጠሪ ጁባ ጉጅለ ህግደፍን መጨፍለቂ ህዝብናን እምበር ጸገማት ውጉኣት ኣይፈትሐን ሃገር’ውን ኣይሃነጸን።
እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ስንኩላን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ብሓበን ኤሪ ዝጉስጎሰሉን ካብ ህዝቢ ዝእከብ ዘሎ ገንዘብን ንዋትን ድማ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዘይግዛእን ተሓታትነት ዘይብሉን መንግስቲ ወይ ምሕደራ ክሳብ ዘይሃለወ፡ ኣብ ጁባ ውልቀ ሰባትን መደልደሊ ጨፍላቂ ስርዓትን እምበር ሽግራት ስንኩላን ኤርትራ ክፍትሕ ምትስፋው የዋህነት ኢዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መመርመሪ መንሽሮ እተገልግል መሳርሒ ንምግዛእ ንመማዕበሊ ማሕበረኮምን መካየዲ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ብዝብል ሸፈጥ ካብ ህዝቢ ተዋጺኡ ዝተጠፋፍአ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ድማ ጭቡጥ ኣብነት ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓምለ 1994፡ “መነባብሮና ይመሓየሽ፡ ጸገማትና ይፈታሕ” ኢሎም ጠለቦም ሰማዒ ክረክብ ካብ ማይሓባር ናብ ኣስመራ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስንኩላን ኩናት ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ልዕሊ 10 ብሰራዊት ጉጅለ ህግደፍ ብኣድራጋ ጠያይቲ ተረሺኖምን ኣብ ጽርግያ ተሰጢሖምን ኢዮም።
ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ይቕረታ ምሕታትን ገይጋ ተፈጺሙ ምባልን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይዓጠቁን ስንኩላን ተጋደልቲ ቅንጸላ ዘካየዱን ዝኣዘዙን ብሕጊ ምሕታት፡ “ጸጊቦም ሓንቂቆም” ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ጨካን መግለጺ ተዋሂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ኣስመራ ቃኘው ብዙሓት ስንኩላን ተጋደልቲ ብዘይ ብቁዕ መንበሪ ኣባይቲ፡ ክንክን ጥዕናን ሕጽረት መሳለጥያን ኣብ ዝሳቀዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይተመናይ ንስንኩላን ተጋደልቲ ተባሂሉ ዝተሰርሐ መንበሪ ኣባይቲ፡ ንካድራቱን ብስለያን ፕሮፖጋንዳን ዝዋስኡ እሙናት ውልቀሰባትን ከምዝዓደሎ ይፍለጥ።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ጉጅለ ህግደፍ ዝነጥፍ ማሕበር ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ኣብ ከሰላ ሱዳን ንናጽነት ኤርትራ ክብሉ ዝሰንከሉን ከምኡ’ውን ድሕሪ ናጽነት ክስደዱ ዝተገደዱን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ተበታቲኖም ኣብ ስቃይ ዝነብሩ ስንኩላን ተጋደልቲ፡ ካብ ፖለቲካ ህግደፍ ተላቂቁ ብሰብኣውነት ኣይሕግዝን ኢዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ሃገሮም ክሳተፉን ኣብ ትውልዲ ዓዶምን ከባቢኦምን ዘሎ ጸገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክፈትሑን ልዑል ድሌት እኳ እንተነበሮም፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ብዘይካ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ክእክብን ንመንግስቲ ዝምልከት’ዩ ምባልን፡ ንተበግሶ ዜጋታት ዕድል ኣይሃበን።
እዚ ብማሕበር ሓበን ኤሪ፡ ኣካለ ስንኩላን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝሕተት ዘሎ ገንዘብን ንዋትን፡ ኣብ ብሕጊ ዝግዛእን ተሓታትነት ዘለዎን መንግስትን ምሕደራን ክተባባዕ ዝግብኦ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ሕሉፍን ህሉውን ባህርያትን ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ ግን ብተግባር ዝሰርሕ ኣይኮነን።