ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምልኩ ንምእታውን ንምቁጽጻርን፡ ጥንታዊ ሜላ ምድንቋርን ምጥማይን ከም ሜላ ይጥቐመሉ ምህላዉ፡ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቲ ን35 ዓመታት ብትካላት ጸጥቱኡ ኣቢሉ ዝወርዶ ኩሉ ዓይነት ጭቆናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ብምኽላእን ብምጥማይን፡ ኣብ ጫፍ በጺሑ ንዝርከብ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ይጽዕር ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብፍላይ እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና፡ ኣብ ግብ ዝበለ ናይ ድንቁርና ዓለም ተኣሲሩ ንክነብር፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈልየ ይሰርሓሉ ምህላዉ እዮም ዝጠቅሱ።
እዚ ኣብ ግዜ ጊላነት ዝውቱር ዝነበረ ሜላ ኣደንቊርካ ግዛእ፡ ጥንታውያን ነገስታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንዝነበሩ ሰባት ንምግዛእን ንምንብርካኽን፡ ዝብላዕን ዝስተን ብምሕራምን፡ ካብ ሓበሬታ ብምንጻልን፡ ከም ኣቕሓ ክሸጥዎም ክልውጥዎምን ብስቃይ ክቀትልዎምን የክእሎም ምንባሩ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ኩሉ ነገር ከሲሩ ኣብ ጥፍሽና ዝበጽሐ ጉጅለ ህግደፍ ከኣ፡ ነዚ ናይ ዘመነ ጊላነት ሜላ ኣብ ህዝብና ብምስራጽ፡ ዝደንቆረ ህዝቢ ንምስራሕ ይቃለስ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 21 ክፍለ ዘበን፡ ባኒ ብቁጽሪ ሰብ ብምሃብን፡ ዘይቀትል ዘይምሕር ኣስቤዛ ኩፖን ብምዕዳልን፡ ሜላ ጊላነት ኣብ ህዝብና ንዓመታት ዝጥቀመሉ ምጽንሑ ወሲኮም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እዚ ጊላዊ ኣተሓሳስባ ምንቅስቓስ ህዝቢ ንምቑጽጻርን፡ ብፍርሒ እሺ ኢሉ ንኸብዱ ዝግዛእ ሕብረተሰብ ንምህናጽን ዝዓለመ፡ ጽባሕ ድሕሪ ህግደፍ ኣብ እትፍጠር ኤርትራ ውን ዓቢ ጸገም ክፈጥር ዝክእል ሓደገኛ ኣገባብ ምኳኑ’ዮም፡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ ዝፈጠሮ መርዛም ጸረ ህዝቢ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይሓርስ ከይነግድን ከይሽቅልን ተከልኪሉ፡ መንእሰያት ደቁ ኣብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተኣሲሮም፡ ዝተረፉ ውን ተሰዲዶም፡ ሃገር ካብ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ቦኺራ፡ ፋብሪካታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ፡ ልዑል ስእነት ሽቅለተ ኣልቦነትን ገኒኑ፡ ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ሓወላ ትካቦ ዝጥወር ዝለመሰ ህዝቢ ኮይኑ ምህላው ዝጠቀሰ እቲ ምንጪ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ እዚ ተረዲኡ ክገጥሞ እንተዘይተበጊሱ፡ ዝፈጥሮ በሰላ ጽባሕ ዋጋ ዘክፍል ምኳኑ’ዮም ዘተሓሳስቡ።
ከም ሳዕቤን መርዛም ስርዓተ ምሕደራ ህግደፍ፡ ዓቢ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፉ ዝኮነ ህይወት ከሕልፍን፡ ተመጽዋትን ተጸባዪ ሓዋላ ኮይኑ ክደንን ኮይኑ ምህላዉ ነቲ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ በሰላ ብምጥቃስ ዘረጋገጹ ምንጭታትና፡ ህግደፍ ተሪፉ ዘሎ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕላው፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽንተት ኣዋጅ ክእውጅ ዘይጽገም ጉጅለ ብምኳኑ፡ ከም ህዝቢ ናይ ንቅሓት ደወል ይህረመልና ምህላዉ እዮም ዝጠቅሱ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ጥዕና፡ መብራህቲ፡ ቀረብ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ተለፎን፡ መንበሪ ኣባይቲ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ነገራት ብቅዓት ስለዘይብሎምን እኹላት ስለዘይኮኑን፡ ህዝብና ብሰንኪ ብልሹው ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዓለም ድሕሪት ዝተረፈን ዝተጸገመን ሕብረተሰብ ኮይኑ ከምዘሎ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ እዚ ተጸይኑ፡ ሰባኣዊ መሰልን ዜግነታዊ ቀረባትን ክጠልብ ኣብ ዝሐትት መድረክ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።