ከም ኣካል ናይ መበል 20 ዓመት ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (United Nations Human Rights Council -HRC)፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ወከልቲ ሲቪካዊ ማሕበራትን ሰሉስ 16 ሰነ ተኣኪቦም፡ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተሓታትነት፡ ፍትሕን ምጥባቅ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝጸንሖ ተራ ዝድህስስ ዘተ ኣካይዶም።
እዚ ብማእከል ሰብኣዊ መሰላት ጀነቫ (The Geneva Human Rights Hub – GHRH) ዝተወሃሃደ መደብ፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝመጹ ተጣበቕቲ መሰላት ኣኪቡ፡ ምስ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ጽምዶ ወቅታዊ ገምጋም ድሕሪ ምግባር፡ ፍሉይ ስልትታትን ኣገባባት መርመራን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታትውን ዘትዩ።
ካብቶም ጸብጻብ ዘቅረቡ ተሳተፍቲ፡ ካብ ትካል ሓልዪት ሰብኣዊ መሰላት–ኤርትራ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብሪሃ። ወ/ሮ ኤልሳ፡ ስራሕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ምስናድ ግህሰት፡ ኣብ ምዕባይ ኣህጉራዊ ንቕሓት፡ ኣብ ምድጋፍ ሕቶታት ዑቕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ጭቆና ኣብ ምቅላዕ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ኣመልኪታ።
ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መደብ መና ፋራሕ ካብ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን (MENA) ፡ ብዛዕባ ስግረ-ሃገራዊ ጭቆና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ኣጉሊሓ። ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቀን፡ ከም ቡልጋርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳን፡ ዓመጽቲ መንግስታት ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ፖለቲካውያን ተቓወምቶም፡ ብክትትል፡ ምፍርራሕ፡ ማእሰርትን ናብ ሃገሮም ተ ኣሲሮም ንኽምለሱ ዝገብርኦ ፈተነታትን ከም ኣብነታት ኣቅሪባ ።
ኣብ 2006 ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕን ንምሕላውን፡ ሓላፍነት ዝተዋህበ ጨንፈር ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ሃገራት ዘተኮረ መርመራታት ብምክያድ፡ ዘይሻራውያን ክኢላታት ብምውፋር፡ ሓበሬታታት ብምእካብ ፡ ወቅታዊ ገምጋማት ምግባር፡ ግህሰታት ብምስናድ፡ ግዳያት ብምድጋፍ፡ ኣብ ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተኸሰሱ መንግስታት ኣህጉራዊ ጸቅጢ ብምግባርን ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ስነ-ሕጊ (International Commission of Jurists) ይገልጽ።
ተሳተፍቲ እቲ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝተኻየደ ኣኼባ ፡ ኣብ ሲቪላዊ ሓርነታት ዝካየድ ምግሃስ መሰላትን፡ ፋይናንስያዊ ሕጽረታት፡ ምዝሕታል ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ሓባራዊ ምትሕግጋዛትን፡ ከም ብድሆ ድሕሪ ምቅማጥ፡ ትካል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (HRC) ንናይ ውሽጢ ዓዲ ግህሰታት ናብ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ዝቀርቡሉን ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጸሙ ግህሰታት ተሓታትነት ዝድለዩን ኣገዳሲ መድረኽ ኮይኑ ከምዘሎ ከም ኣወንታዊ ምዕባለ ኣስሚሮምሉ።