ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ሓድሽ ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ከምዝመዘዘ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝሃብኦ ሓበሬታ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ዝለዓለ ምኒስተር ብምዃን፡ ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ጀሚሩ ስልጣን ተረኪቡ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ሰልጣን ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ካብ እዋን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣትሒዙ፡ ከም ዘይወግዓዊ ምክትል ፕረዚደንት ኤርትራ ኮይኑ ዘገልግል ኮይኑ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሚኒስተር ዓብደላ ሙሳ፡ ነዚ ስልጣን እዚ ተረኪቡ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኣብ ኤርትራ ስልጣን ምኒስተራት ይኹን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ብወግዒ ካብ ዘይግለጽን፡ ዝኾነ ንጥፈታት ብውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ተባሒቱ ብዘዋሪ መልእኽቲ ካብ ዝካየድን፡ ዓመታት ሓሊፉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓድሽ ሓላፍነት ናይ ምሻምን፡ ካብ ስልጣን ምውራድን ሓበሬታ ውን እንተኮነ ብመንገዲ ባዶ ሰለስተ ብዝናፈስ ሓበሬታ እምበር፡ ብወግዓዊ ንህዝቢ ተገሊጹ ኣይፈልጥን።
ኣብ ኣሰራርሓ ጉጅለ ህግደፍ፥ ብውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ዝዕደል ሽመት ብቴለፎን ወይ ብቁራጽ ወረቐት ስለዝሕብር፡ ድሕሪ ሽመት ኣብ ዘሎ እዋናት ብዝግለጽ ዜናዊ ሓበሬታ፡ መዝነቶም ከምዝረጋገጽ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ስልጣኑ ንምሕላው፡ ኣዝዩ ስቱርን ተኣዛዝን መዋቅራት ስልጣን ብምቛም ፡ ብሰላሕታ ክጓዓዝ ከምዝመርጽ እዩ ዝንገር።
ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ኣዕኑድ መንግስቲ ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፥ ፈራዲ ኣካላት ስለዘየለዉን፥ ባይቶ ቅዋም፥ ምርጫ ዝኣመሰሉ ህዝቢ ዝዋሳኣሉ ስቪላዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ስለዝተኸልከለን፡ ብዘይካ ውሳነ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ሃገር ዘመሓድር መንግስቲ ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ከምዘይኮነ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ሓቂ ኮይኑ፡
ኣብ 2002 ባይቶ ኤርትራ፡ ኣብ 2018 ከኣ ስሩዕ ንጥፈታት ካቢነ ምኒስተራት ካብ ስራሕ ደው ምባሉ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓተ ኢሰያስ ዘረጋግጽ እዩ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኑኡስ ቁሸት ክሳብ ዓቢ ዞባ ይዕበ ይንኣስ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን፡ ሒደት እሙናት ኣገልገልቱን ዝመሓደር ብምዃኑ፡ ህላውነት ምኒስተር ስማዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ከምዝህብ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ምኒስትራትን ላዕለዎት ሓለፍትን፡ ብሞት ብሕማምን ምድስካልን ካብ ስልጣኖም ምስ ተኣልዩ፡ ብዘይ ዝኮነ ተካኢ ንነዊሕ እዋን ምጽንሖም ንባዕሉ፡ መርኣያ ድኹምን ተሓታትነትን ዘይብሉ ውልቀምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ እዩ።
ሓድሽ ስልጣን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ከኣ ነቲ ብውልቀ መላኺ ን35 ዓመታት ተባሒቱ ዘሎ መንግስቲ ዘምጽኦ ፋይዳ ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብሕማም ወይ ብእርጋን እንተሞተ፡ ስልጣኑ መን ይተካኣዮ ዝብል ናይ ባዶ ሰለስተ ተባራሪ ሓበሬታ ግን፡ ግዝያዊ መህዲኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ዝንገር።
ኣብ ክሊ ዕድመ ውልቀ መላኺ ዘለዉ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን በኣተሓሳስባ ድሕሪት ዝተረፉን ሰባት ምትኽኻእ፡ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝኽእል መሰረታዊ ፍታሕ ዘይምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብቅዋምን ልዕልና ሕግን ዝግዛእ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል፡ እንኮ ተስፋ ኤርትራ ምኳኑ ውን ዘካትዕ ኣይኮነን።
ብ ደሴት ሰላም