ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመል- ሰሪዕ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ምፍጻሙ፡ ኣምነስቲ ከሲሱ።
ኣብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመል-ሰሪዕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንከተማ ኤል-ፋሸር ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ከም ዝፈጸመ፡ ጸብጻብ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ሓቢሩ።
ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ንእትርከብ ከተማ ኣብ ከበባ ንምእታውን ንምቁጽጻር ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ነታ ከተማ ዝኸፍአ ናይ ደም መድረኽ ኣምሲልዋ ምህላዉ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ገበናት ብRSF ዝፍለጥ ዕጡቅ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ቅትለት፡ ብሓይሊ ምምዝባል፡ ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ ግህሰት፡ ካልኦት ዓይነታት ጾታዊ ዓመጻት፡ ጊላነት፡ ምጽናት ህዝቢ ከምኡ’ውን፡ ምስጓግን ምፍርራሕን ከም ዘጠቓለለ እዩ፡ እቲ ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ብኣምነስቲ ዝተኻየደ መርመራ ዘረጋግጽ።
ዳዕመ-ሰሪዕ ንጸብጻብ ኣምነስቲ ዝሃቦ ርእይቶ እኳ እንተዘየለ፡ ይኹን እምበር ኣቐዲሙ ንዝቀረበ ተመሳሳሊ ክስታት ክነጽግ ብምጽንሑ፡ ነዚ ውን ክነጽጎ ምዃኑ እዩ ዝግመት።
ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተወለዐ ግጭት፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሓድሕዳዊ ግጭት ተሸሚማ እትርከብ ሱዳን፡ ብሰንኪ’ቲ ኩነታት ልዕሊ 100 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ሃሊቁ፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ውን ተፈናቂሉ፡ ኣብ ሕሱም ሂወት ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ኣብ ልዕሊ ኣንስትን ህጻናትን ዝፍጸም ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ውን፡ ከም ኣጽዋር ኲናት የገልግል ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን፡ ብገበናት ኲናት ዝተኸሱ እኳ እንተኾኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ክስታት ክነጽግዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብቲ ን18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ጕዕዞ ከበባ እታ ከተማ፡ ኣብ ውሽጥን ከባብን ኤል-ፋሸር፡ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም እዩ ዝኸስስ።
ቈልዑ ግዳያት ጎድናዊ ሳዕቤን ናይዚ ኲናት ጥራይ ዘይምንባሮም ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ መብዛሕትኦም ህጻናት፡ ብዕላማ ዝተጠቕዑን ከቢድ ስቓይ ዘሕለፉን ምንባሮምን፡ ከም ሳዕቤኑ ብሰፊሕ ደረጃ ተቐቲሎም፡ ቈሲሎም፡ ተዓሚጾም፡ ተጨውዮም፡ ከምኡ’ውን ብሓይሊ ናብ ውትህድርና ተዓስኪሮም እዮም ብምባል’ያ፡ ዋና ጸሓፊት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ ትገልጽ።