ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሰብኣውን ገበናት ኣብ ሕብረተሰብና ኣተኩሮ ከይረክብን ኣንፈቱ ንምስሓትን ቅሉዕ ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
ሓደ ካብቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሕሱር ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ተረሲዑ፡ ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝነብርን ከምዝሓስብን ምግባር ኮይኑ፡ ተግባራት እቲ ጉጅለ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቆ መግዛእታዊ ስርዓት ዘንጸባርቅ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ገበናትን ሳዕቤኑን በሰላኡ ዘይርስዖ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ነዚ ብጉጅለ ህግደፍ ዘጋጥሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት ግን ካብ ኣእምሮኡ ክሓኮን ኣይክእልን ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መዓልቲ 20 ሰነን ካልእ ኣጋጣምን ኣብ መዋእል መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን ግፍዒታትን ኣብ ማዕከናት ዜና ከምዝቃላሕን ኣብ ጎደናታት ከምዝዝርጋሕን ብምግባር፡ ህዝብና ንቅድሚት ከይሓስብን ኣብ ትማሊ ጠጠው ከምዝብልን ይገብሮ ኣሎ።
እዚ ተንኮለኛ ሜላ ድማ፡ ህዝብና ኣብ ህሉው ውሽጣዊ ጸገማቱን መፍትሒታትን ከየድህብን ብጉጅለ ህግደፍ ዝወርዶ በደላትን ዝወሃቦ ዕባራ መመኽነይታን ከም ንቡርን ቅኑዕን ክቅበሎ ዝጉስጉስ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመት ሓንሳብ “ልኡላውነትና ተደፊርና” ካልእ እዋን ከኣ “ዶብና ናብ ዝኸደና የብሉን፡ ኪኖ ዶብ ንሕሰብ” ዝብሉ ንሓድሕዶም ዝገራጨዉ ሓሶታት ብምምሃዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ህይወቱ ከይመርሕ ዘራጊ ፖሊሲ ክኽተል ጸኒሑን ኣሎን።
ብኣንጻር’ቲ ኣብ ሓምለ 2018፡ “ኣይከሰርናን ንብረትና መሊስና ኢና፡ ኣብዪ ምርሓና፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ” ብምባል ናይ ክሕደት መደረ ዝደርጉሐ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ተገምጢሉ ብኢትዮጵያ ተበዲልና ምባሉ፡ ዕላምኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህሉው ቀዳምነታቱ ከየተኩርን ውሽጣዊ ሕማሙ ከይፍውስን፡ ኣብ ሕሉፍ ኣሉታዊ ታሪኽ ከስቆርቁርን ኣብ ጽልእን ስግኣትን ክነብር ምጉስጓስ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ናጽነት ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ገበናትን በደላትን ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ዝምታን ዕንወትን፡ ብሕጋዊ ኣገባብን ትካላዊ ኣሰራርሓን ክተሓዝን ምትሕስሳብ ክግበረሉን እምነቱ ኢዩ፡፡
ህዝባዊ ስልጣን ዘይብሎም መራሕቲ ከከም ቃሕታኦም ከሳውርዎ ዘይኮነ ድማ፡ ዝሓለፈ ምዕራፍ ተዓጽዩ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምሕዝነታዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምድልዳልን፡ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።