ኣብ ቅልውላው ዝጸንሐት ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ናብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ልዕልና ሕግን ትምለስ ምህላዋ፡ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጹ።
ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ብምኳን ስልጣን ተረኪቡ ዝርከብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ሕግን ስርዓትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ትምለስ ምህላዋ ሓቢሩ።
ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ቃሉ ከምዝገለጾ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኣካል ጠቕሊሉ ሒዝዎ ዝነበረ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ስልጣን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ናብ ሕጋዊ መስርሑ ተሰጋጊሩ ምህላው ዝገለጸ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ፡ ሰለስተ ዓንደ-ማእከል መንግስቲ ዝኾኑ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ ናብ ንቡር ስርሖም ይምለሱ ከምዘለዉን፡ ነፍስወከፍ ኣካል ክወስዶ ዝግብኦ ሕጋዊ ሓላፍነት ክወስድ ዕድል ከምዝተፈጠረሉን’ዩ ኣረዲኡ ዝርከብ።
ምውሓስ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብቲ ክልል ፍትሕን ተሓታትነትን ንምስፋን ውን ዓቢ ባይታ ከምዝፈጥር ዘመልከተ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ልዕልና ሕግን ዘለዎ እምነት ንምዕባይ ክሕግዝ ምኳኑ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ መወዳእታ፡ ተወሲዱ ዘሎ ናብ ትካላዊ ኣሰራርሓን ሕጋውነትን ናይ ምምላስ ውሳነ፡ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምድልዳልን ንምምላስን ውን ፍሉይ ዓቢ ግደ ከምዝህልዎ ዝጠቀሰ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ዘይከምቲ ብደገ ዝበሃል ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕብየት ትጓዓዝ ምህላዋ እዩ ዘረድእ።