ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምክፋት ዘቅረበቶ ሓሳብ ከምዝነጸጎ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋትን ኣብ መንጎ ኣመሪካ-እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ውግእ ንምዕራፍን ብኢራን ዝቐረበ ሓሳብ፡ ፍጹም ከምዘይተሓጎሰ ኒውዮርክ ታይምስ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ትራምፕ ብውሳነ ኢራን ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ተጻቦኦ ብዙሕ ቅሬታ ከምዘለዎ ዘቀምጥ።
ማዕከን ሓበሬታ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ነቲ ዝርርብ ዝፈልጡን፡ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩን ምንጭታት ጠቒሱ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ፡ ትልሚ ዕላማ ኢራን ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዝተቀበለ ኣረጋጊጸ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ኢራን ዝቐረበ ቅድመ ኩነት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ተከፊቱ እቲ ማያዊ መስመር ንንግዳዊ ንጥፈታት ክፉት ንኽከውን፡ ኣመሪካ ኣብ’ዚ ወሳኒ መስመር ማያት ሆርሙዝ ዘንበረቶ እገዳ ንከተልዕል ዝሓትት ኮይኑ፡ ትራምፕ በቲ ኢራን ዘቅረበቶ ቅድመ ኩነት ከምዘይተሓጎሰ እዩ ዝገልጽ።
ሓያሎ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ን’ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ብኢራን ዝቐረበ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ኒውክሌርዊ መደባት ኢራን ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር ከምዘየለ ዝገለጹ ኮይኖም፡
እዚ ከኣ ንትራምፕ ኣዝዩ ከምዘቆጠዖን፡ ነቲ ናይ ኢራን መደባት ከምዝነጸጎን’ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዘይዓገበ ብንጹር ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ ሓበሬታ ዘኒውዮርክ ታይምስ ወሲኩ ዝገልጽ እኳ እንተኮነ፡ ኢራን ምብልጻግ ዩራኒየም ንከተቋርጽን ቅድሚ ሕጂ ዘሀብተመቶ ዩራኒየም ውን ኣሕሊፋ ንክትህብን ከጠንቅቅ ዝጸንሐ ትራምፕ፡ በቲ ን ጉዳይ ዩራኒየም ዝጎሰየ እማመ ክሕጎስ ከምዘይክእል’ዩ ዝንገር።