ወግዓዊ ኣፍልጦ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተነፊጉ ዝርከብ ውድብ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝጸንሓና ርክብ ተበቲኹ እዩ ብምባል፡ ካብ ኣራት ኪሎ ዝወሃብ መምርሒ ከምዘይቅበል ብወግዒ ኣዊጁ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዝተናወሐ ስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳርን፡ ስልጣን ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዘፍረሰ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን ዝጸንሐ ናይ ርክብ መስመር ምሉእ ብምሉእ ከምዝተበትከን፡ ትእዛዝ ማእከላይ መንግስቲ ከምዘይቅበልን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ወሃቢ ቃል ውድብ ህወሓት ሚካኤል ኣስገዶም ኣብ ቃላቱ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ይፈርስ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ከም “እንኮ” ናይ ርክብ መስመር ክውሰድ ዝጸንሐ ውዕል ፕሪቶርያ ስለዝፈረሰ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እውን ፈሪሱ እዩ ክብል እዩ ገሊጹ ዝርከብ።
በዚ መሰረት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝጸንሐ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ተበቲኩ ኣሎ ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ታደሰ ወረደ ተወሳኪ ሽግራት ካብ ምፍጣር ብምቁጣብ ስልጣኑ ከረክብ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለዝከዱ፡ መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ካኣቱ ኣይዕድምን እየ ዝበለ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ስልጣኑ ከረክብ ከምዘይኮነ ብምግላጹ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ናብ ግጭት ከየምርሕ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።