ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝተኸፈተ ኲናት ኣብ ምምሕዳር ጥራሕ፡ ልዕሊ 25 ቢልዮን ዶላር ከምዘውጽአት ተገሊጹ።
ነዚ ጸብጻብ እዚ ዝገለጸ፡ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ቤት ዕዮ ምክልኻል ዋሽንግተን ኮይኑ፡ ኣመሪካ ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተጀመረ ኲናት ንምምሕዳር ጥራሕ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ልዕሊ 25 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውጸአት እዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኢራን ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘውጽአት ብወግዒ ክግለጽ፡ ናይ ፈለማ ሓበሬታ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሴት፡ ድሕሪ ኲናት ኢራን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ናይ ስድሽተ ሰዓታት መግለጺ ባይቶ፡ በዚ ጉዳይ ምስ ኣርቀቅቲ ሕጊ ዲሞክራቲክ ኣብ ምስሕሓብ ምእታዉ እዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ምክልኻል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ኣገልግሎት ኲናት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ዝቐረበ፡ ምስ ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬንን፡ ሓላፊት ፋይናንስ ቤት ዕዮ ምክልኻል ጁሌስ ኸርትስን ኮይኑ፡ ሄግሴት ኣብ ዘስምዖ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ “ዝገጠመና ዝዓበየ ጸላኢ” ናይ ዲሞክራትስን ገለ ገለ ሪፓብሊካውያንን “ናይ ስዕረት ቃላት እዩ” እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ዝኾኑ ኣርቀቅቲ ዲሞክራት ብወገኖም፡ ገንዘብ መንግስቲ ፌደራል፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ዝባክነሉ ዘሎ መንገዲ ከምዘየሓጎሶም ብምግላጾም ምስሕሓብ ከምዝተፈጥረ እዩ ዝግለጽ።
ሓላፊት ፋይናንስ ቤት ዕዮ ምክልኻል ኸርትስ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኲናት ኢራን ንምምሕዳር 25 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝተገብረ ዝገለጸት ኮይና፡ መብዛሕትኡ እቲ ገንዘብ ንተተኳስን መሳርሕታትን ንምትካእ ዝወጸ ምኳኑ እኳ እንተገለጸት፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ባይቶን ኣርቀቅቲ ሕግን ግን ከቢድ ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ዶናልድ ትራምፕ ዝመርሖ ዘሎ ኲናት ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣመሪካ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ውን ልዕሊ 7ሚልዮን ህዝቢ ናብ ጎደና ብምውጻእ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዘለዎ ተቓውሞ ምግላጹ ኣይርሳዕን።