ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ክስደድ ዝቀሰቦ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ዝረግጽን ኣብ ኩናት ዘህልቅን ዘድክን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዓወታት ከምዘመዝገበ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን መግለጺ ሂቡ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ጀሚርዎ ዘሎ ሰማይን ምድርን ዘጣብቕ ምስሉይ ኣብ መሬት ዘየለ ክውንነት፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ቀረብ ዝስተ ማይን ካልእ ማሕበራዊ ጽላታትን ዓወታት ከምዝሓፈሰ ከደናግር ይፍትን ኣሎ።
እቲ ብዘይ ቅዋም፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ ፈራዲ፡ ብውልቀመላኺ ኢሳያስ ካብ 1991 ዝርገጽ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ብዘይካ ስደት፡ ብዘይ ፍርድን ክስን ንዓመታት ምሕያር፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ኩናትን ሞትን፡ ስእነት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሰላምን ክብረትን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ግዱግ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝኾነ ሰናይ ነገር ከምዘይረኸበ መስካሪ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝበዓለሉ ቅንያት ናይ ዓመታት ኣሃዛት ደሚሩን ምስ ቅድሚ 1991 ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሳለጥያን ኣወዳዲሩን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዕባለ ከምዘምጽአ ንዓሻን ጓናን ከደናግርን ክሕሱን’ዩ ዝህቅን ዘሎ።
ይኹን እምበር ብሰንኪ ገባትን ዓንቃፍን ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰብ ጸጋ ኤርትራውያን ተሰዲዶምን ኣብ ጸገም እንከሎ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ርእሰማሎም ከዋፍሩን ህዝቢ ኤርትራ ብስእነትን ሕጽረትን መሰረታውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሳቐ መዓልታዊ ንዓመታት ፍታሕ ዘይተረኽቦ ተርዮ ኮይኑ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘበነ ጨካን ግዝኣቱ፡ ኣሽምባይዶ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ሓደስቲ ማበራዊ ኣገልግሎት ክሃንጽን ጸገማት ህዝቢ ክፈትሕን ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ካልእ መሳለጥያን ከረጋግጽ ኣይክኣለን።
ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ድኽነትን ሽቅለተ ኣልቦነትን ብቀንዱ ዓያዪ ጉልበት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን ስለዝተቆርነን ስለዝተሰደን ከምኡ’ውን ህዝብና ብዓቕሙ ሰሪሑ ከይነብርን ህይወቱ ከይመርሕን ናብራኡ ከየማሓይሽን ብጉጅለ ህግደፍ ቀጻሊ ጥብቂ ቁጽጽርን ምእጋድን ስለዝግበረሉ ኢዩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዓቢ ክፋል ካብ ህዝብና ተሰዲዱ ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ሃልቑን ሰንኪሉን ዝብላዕን ዝስተን መድሃኒትን ስኢኑ ብሓዋላን ኩፖንን እናነበረን ብዘይ ፍርዲ እናተሓየረን እንከሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመሉ ዲጋታት፡ ትካላት ጥዕናን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒጸ፡ ጨቋዊትን ምሩጽ ዘርእን ዓዲለ ዝብል መግለጺ ከቕርብ ከሕፍሮን ይግብኦ ።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ መዓልቲ ናጽነቱ ሓቀኛ ትርጉምን ክብርን ክህልዎ፡ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስ ህዝብና ዋና ሃገሩ ክኸውን ኣማሓደርቲ ክመርጽ ብሕጊ ክግዛእ ከምኡ’ውን መራጽን ተመራጽን ኮይኑ ኣብ ሃገሩ ብዘይ ሸለብ ገለብ ክነብርን ምስ ዝኽእልን እዩ።