መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ: ብኣጋጣሚ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስምዖ ናይ 23 ደቃይቕ መደረ ንዘቤታዊ ጉዳያት ጎስዩ ኣብ ዘይምልከቶ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት ሃውቲቱ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንስሙ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር ኣብ ኣዳራሽ ህዝቢ ይኣክብ እምበር: ካብቲ 23 ደቃይቕ: እቲ 18 ደቃይቕ ብዛዕባ ዘይምልከቶ ጉዳይ ግጭት ኢራን ኣመሪካ: ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ: ቬንዝዋላን ቀርኒ ኣፍሪቃን መትሓዚ ዘይብሉ ትንታነታት ኣቕሪቡ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብቲ ንምምሕዳር ኣመሪካ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ናይ ወደሳን ወቀሳን ዝተደባለቀ መደረ: እቲ ቃና ካብቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ቀጥታዊ ጸርፍን ምዝንጣልን: ኣመሪካ ኣብ ኢራን: ቬነዝዋላ: ኩባን ካልኦት ከባብን ትኽተሎን ትፍጽሞን ዘላ ፖሊሲ ብዓይኒ ሕጊ ፍትሒ ቅቡል ድዩ” ኢሉ ብሕቶ ዩ ሓሊፍዎ።
ንመራሒ ሃገር ኢየ ዝብል መደረ ውልቀ መላኺ ክሰምዑ: ተኣዚዞምን ተስፋ ገይሮምን ኣብ እስታድዮም ኣስመራ ዝተኣከቡን ብማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝተኸታተሉን ኤርትራውያን: ክንጅምር ኢና ዝብል ዘቤታዊ መብጽዓታት ምስምዖም ብቀደሙ ኣብ ዝቆርብዐ ቆርበት ልዋም ለይቲ ከምዘይሕደር ዘገንዝብ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ውልቀ መላኺ ን5 ደቂቕ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዓዘፍዘፍ መደረ እውን: ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽላታት ብዘይካ “ክንሰርሕ ኢና” ዝጭበጥ መደብ ስራሕ ኣይገለጸን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ን35 ዓመታት ዘቕረቦ ኣሰልቻዊ መደረታት: ሎሚ እውን ንሃንቀውታን ጸገማትን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ቅንጣብ ዛዕባ ኣይጠቀሰን።
ኣብ’ዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ: ዓቢ ክፋል ኣብ ስደት ተበታቲኑ: ዓያዪ ጉልበት ኣብ ውትህድርና ተጸሚዱ: ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተሓይሩ ብድኽነትን ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይሳቐ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ን35 ዓመታት ብዘይ ቅዋም: ምርጫ: ባይቶ: ሕጊ: ሃገራዊ ባጀትን ንህዝቢ ኤርትራ የሳቅዮ ከምዘሎ ይፍለጥ።