ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 14 ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ሓደ ካብ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣውራጃ ቡሸህር ንዝርከብ ኑክሌራዊ መደበር ጸዓት ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ዋሽንግቶን ግን ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ክሲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
ሰራዊት ኣመሪካ ኣስታት 90 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ከምዘጥቅዑ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ኢራን ብወገና ናይ ሕነ መጥቃዕቲ ኣብ ኪዌት ባሕሬንን ቀጠርን ከምዘካየድ’ዩ ዝንገር።
ሓይልታት ኢራን፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኩዌት፡ ባሕሬንን ቐጠርን ንዘሎ ዒላማታት ኣመሪካ ከምዝሃረሙ ዘፍለጡ ኮይኖም፡ በቲ ዝተካየደ ናይ ግብረመልሲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ፡ ብርቱዕ ናይ ሓዊ ቃጸሎ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።
ትማሊ ሓሙስ ብተመሳሳሊ፡ ሚሳይላት ኢራን ናብ ኵዌት፡ ዮርዳኖስን ዒራቕን ከምዝተወንጨፉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ዝሓበራ ኮይነን፡ በዚ መሰረት ተስፋ ተነቢርዎ ዝጸንሐ ዘተ ክልተ ሃገራት ናብ ዕጹው ማዕጾ ይከይድ ምህላዉ እዩ ዝእመን።
ንወደባት ሲሪክን ታስክን፡ ከምኡ’ውን ከተማታት ኮናራክን ቻባሃርን ሓዊስካ፡ ሓያሎ ከባቢታት ኢራን ግዳይ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኢራን ብተመሳሳሊ፡ ከም ግብረመልሲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቅ ንዝርከብ መዓስከራት ኣመሪካ ከተጥቅዕ ምኳና’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።