ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቅረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ናብ ምርግጋእ ክትመጽእ ትጽቢት እኳ እንተ ነበረ፡ ብኣንጻሩ ግን ኣብ ሓደስቲ ዙርያ ግጭታት ትሽመም ምህላዋን፡ ከቢድ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ይረኣያ ምህላዉን ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ፋኖ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ውግእ፡ ብድሮን ዝካየዱ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጃምላዊ ቅትለት የውርድ ምህላዉ፡ ዝከሰሰ ኣምነስቲ፡ ብብልጽግና ፓርቲ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ምቁጽጻር ከምዝወደቀ’ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ኲናትን ጾታዊ ዓመጽን ብዝምልከት ውን፡ ንግዳያት ዝኸውን ፍትሒ ይዅን ናጻ መርመራ ዛጊት ኣይተራእየን ዝበለ ኣምነስቲ፡ ተሓታትነት ዘይምህላው ኣብ’ታ ሃገር ባህሊ ግህሰት መሰላት ክሰፍሕን፡ ገበነኛታት ከይተሓተቱ ክነብሩን ዕድል ሂቡ ኣሎ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ “ንኣዋጅ ህጹጽ ግዜ” ከም መመኽነይታ ብምጥቃም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት፡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ብዘይፍርዲ ይኣስር ምህላዉ ዘቃለዐ ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ውን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝተወለዐ ግጭት፡ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ከቢድ ቀወሲ ከምዝወለደን እዩ ዝገልጽ።
‘ገንዘብ ንምርካብ ዝግበር ጭውያ’ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉን፡ ሚልዮናት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም፡ ኣብ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ ይርከቡ ምህላዎምን ዘረጋገጸ ኣምንሰቲ፡
እዚ ፖለቲካዊ ግጭት ምስቲ ዘጋጥም ዘሎ ምቍራጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ቍጠባዊ ጸገማትን ተደሚሩ፡ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ “ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው” ኣውዲቕዎም ይርከብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን፡ ካብ መዓስከራት ክጭወዩን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ክምሃለሱን ብምግባር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የውድቆ ምህላዉ ወሲኹ ዝከሰሰ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ታሕሳስ 2024 ክሳዕ ለካቲት 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕቝባ ሓቲቶም ዝነበሩ ልዕሊ 600 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ምህላዎም ዘረጋገጸ ኣምነስቲ፡ ህግደፍ ዘቕረቡዎ ናይ ዕቝባ ሕቶ ከም መርትዖ ‘ክድዓት ሃገር’ ብምጥማት፡ ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ግፍዒ ምፍጻሙ ውን’ዩ ዝገልጽ።