ብሰንኪ’ቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ሂወት ክልተ ሰባት ከምዝሓለፈ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ሓቢረን።
እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተወለዐ ባርዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 26 ሚያዝያ ዝተከስተ ምንባሩ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ሓደ ወዲ 36 ዓመት መንእሰይን፡ ከምኡ’ውን ጓል 21 ዓመት ጓለንስተይትን ሂወቶም ምህላፉ’ዩ ዝንገር።
ብዘይካ’ቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ ክልተ መንእሰያት፡ ካብ’ቲ ባርዕ ዝደሓኑ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ምንባሮም ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ዝወረዶም ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ’ውን እዩ፡ ጸብጻብ ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝገልጽ።
ጠንቂ ናይቲ ኣብ “ምምሕዳር ከባቢ ሓሊበት” ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ምክልኻል ገበን 6ይ መደበር ፖሊስ ኣቶ ክብርኣብ ገብረክርስቶስ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ኣብ ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ጉዳኣት ኣውሪዱ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሓደጋ ካብ ከባቢ 12:30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዝተፈጥረ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ብዝገበርዎ ርብርብ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ከምዝተካእለ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ጽዑቕ ትኪ፡ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብምዕፋኖም ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ምህላዎም እዩ ዘረድእ።
እቶም ግዳያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣድላዪ ክንክን ይግበረሎም ምህላዉ፡ እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሂወት ክልተ ሰባት ግን ድሮ ከምዝተኸስረ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሕብረተሰብ ምስ ሓዊ ዝተሓሓዝ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ዝተማሕጸኑ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ተቓጻሊ ባህሪያት ዘለዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ምኽዛን ክቑጠብ ውን እዩ፡ ጻውዒት ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ኣብ ኤርትራ ባርዕ ሓዊ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሳሕቲ ዘጋጥም’ኳ እንተኾነ፡ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ግን ቀሊል ዘይበሃል ጉዳኣት ኣብ ምውራድ ምህላዉ እዩ ሓበሬታ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝገልጽ።