ጉጅለ ህግደፍ ብጉልባብ: “ምድልዳል ርክብ ህዝብን ፖሊስን: ነበርቲ ዞባ ማእከል ንመንግስቲ ተማእዘዝቲ ክኾኑን ዘይንቡር ምንቕስቃስ ሰባት ክቆጻጸሩን ክሕልዉን ይእዘዙ።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘበን: ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ከብድን ሕቆን ኮይኑ ኣብ ዝሻሕከረሉን ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዝጠፍኣሉን: ነበርቲ ኣስመራ ሕጊ ከኽብሩን ከባቢኦም ካብ ገበን ክከላኸሉን ተሓቲቶም።
ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ለተና ኮለኔል ግርማይ ገብረሚካኤል: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር: ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመተ 2026, ብሓደጋ ተሽከርከርቲ 17 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ከምዝቆሰሉን ከምኡ ውን ልዕሊ 4 ሚልዮን ናቕፋ ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዝወረደ ሓቢሩ።
እንተኾነ ዋላኳ ምምሕዳር ፖሊስ ዞባ ማእከል ብቀጻሊ ብሸለልነት: ሕጊታት ተራፊክ ዘይምኽባርን መስተን ናህርን መራሕቲ ተሽከርቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ምዃኑ ይግለጽ: ጎዳጉድን ዝተፋሓሓረን ጽርግያ: ምልክታት ተራፊክን መብራህቲ ጎደና ስለዘየለን: ዝኣረጋን ውሕስነት ዘይብለን ተሽከርከርቲ ስለዝበዝሓን ኢዩ።
ብተወሳኺ: ህዝቢ ብሰንኪ ድኽነትን ስእነት ነዳድን: ዓረብያታት ብሽክለታታት ብብዝሒ ይጥቀም ስለዘሎን ናይ ሰብን ተሽከርከርትን ዝሓልፉሉ ምልክታት ተራፊክ ስለዘየለ ጠንቂ ሓደጋ ከምዝኸውን ይፍለጥ።
ጉጅለ ህግደፍ: እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ዘጋጥም ዘሎ ዕንወትን ዝፍጸም ገበናትን: ህዝቢ ሓላፍነት ክወስድን ክነቕሕን ምእዛዙ ድማ: ጉድለታቱ ክሓብእን ካብ ተሓታትነት ክሃድምን ስለዝደለየ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ካድራቱን ስማውያን ማሕበራት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን: ንተማሃሮን ነበርትን ብቀጻሊ ዘካይዶ ኣኼባታትን ቀንዲ ዕላማኡ ምንቅስቃስ ህዝቢ ንምቁጽጻርን ንምፍርራሕን ኢዩ።