ቀንዲ ምኽንያት ናይ በብእዋኑ ካብ ሃገሮም ኣምሊጦም ውሕስነት ዘይብሉ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝመርጹን ኣብ ኩሉ ከይበጽሑ ኣደዳ ሞትን ማእሰርትን ዕዳ ገንዘብን ጭውያን ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን: ጉጅለ ህግደፍ ከምዝኾነ ግዳያት ስቃይ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት: ብዝተወደበ ኣገባብ ኣሽሓት ገንዘብ ኣኽፊልካ ካብ ኤርትራ መንእሰያት ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት ምስጋርን: ብባሕሪ: ብምድረበዳ ሳህራን ካልኦት ሃገራትን ክሳብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ምብጻሕን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምግዕዓዝ ሰባት: ህጡር ዕዳጋን ብኣቋራጭ ምህብታምን ከም ንቡር ተወሲዱ ዝቅጽል ዘሎ ገበን ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብዘይ ክፍሊት ሽቅለትን: ካልእ ምርጫን ንቡር ህይወትን ስለዘየለ: ናይ ሕብረተሰብና ላህመትን ውሕስነት መጻኢናን ዝኾኑ መንእሰያት ይስደዱን ዘርሚ ዘርሞ ይኾኑን ኣለዉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ህይወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘቀዘፈን ብገንዘብ ዘድከየን ሓደገኛ ጉዕዞ: ኣብዚ እዋንዚ ካብ ኤርትራ ብክልል ትግራይ ኣቢልካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ሰባት እውን ካልእ ግድል ኢዩ።
ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ብጭቆና ጉጅለ ህግደፍን ድኽነትን ምንባር ስኢኖምን ተስፋ ቆሪጾምን ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን: ኣብ ዝኣተውዎ ሃገር ብዘይካ ማእሰርቲ: ግዳይ ገበነኛታት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት: ዕዳ ገንዘብን ሞትን ስቃይን ምፍልላይ ስድራን ንቡር ህይወት የብሎምን።
ከምቲ: “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝብሃል: ኤርትራውያን ብጨካን ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ዕድላትን ሰብኣዊ መሰልን እንተዘይሕረሙን እንተዘይግፍዑን ድማ ትሕቲ ዕድመን ቆልዓ ሰበይትን ዝርከብዎም ካብ ማሙቕ ቤቶም ወጺኦም ሞትን ስቃይን ኣይምመረጹን ነይሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ግን ጠንቂ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ዝኣምንን ነቲ ጸገም ክፍውሶ ዝሓስብን: “ኤርትራውያን ብምዕራባውያን ሃገራትን ግብረሰናይ ማሕበራትን ኢትዮጵያን ተታሊሎም ንኤርትራ ንምድኻምን ሽርሒ ከምዝተኻየደ ብቀጻሊ ኢዩ ናይ ሓሶት ክስን መመኽነይታን ዘቕርብ።
ይኹን እምበር ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ሰብኣዊ መሰሉ ተሓልዩ ብሰላም ሰሪሑ ክነብር እንተዝፍቀደሉ: ስደትን ሞትን ከልበትበትን ዝሃርፈሉ ምኽንያት የለን።