ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኮነን፡ ኣብ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ወሳኒ ኣካል ዝኾነን ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ትማሊ 12 ሰነ 2026 ናብ መቐለ ተጓዒዙ ሓጺር ዑደት ከምዘካየደ ተገሊጹ።
ኦሊሶንጎን ኣበሳንጆ ኣብ ዑደቱ፡ ደስኪሉ ዝጸንሐ ምኽሪቤትን መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ናብ ስልጣኑ ከምዝተመልሰ ምስ ዝኣወጀ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ንህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ምዝታዩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዑደት እቲ ላዕለዋይ ሉኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ኦሊሶንጎን ኣበሳንጆ፡ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝተገብረ ኣኼባ፡ ንቁጠባውን ጸጥታውን ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ፍረ ዘለዎ ዘተ ከምዘካየደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ ዝተራእየ ምዕባለታት ውን ኣዝዩ ሕጉስ ምኳኑ’ዩ ወሲኹ ዝጠቅስ።
ብኻልእ ወገን ንውድብ ህወሓት ወኪሉ ቃሉ ዝሃበ ኣምባሳደር ኣዲሳለም ባሌማ ብወገኑ፡ እቲ ዝተካየደ ዘተ ምስ መንግስቲ ፌደራል ተቆሪጹ ዝጸንሐ ዝምድና ዳግማይ ንምጅማር ዝዓለመ፡ ዓቢ ኣገዳስነት ዝነበሮ ዘተ ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቲ ዘተ ኩነታት ትግራይ ኣወንታዊ መልክዕ ክህልዎ ሓጋዚ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ኦሊሶንጎን ኣበሳንጆ፡ ክልተ ኣካላት ናይ ምርኻብ ሓላፍነት ዘለዎ በዓል ጉዳይ ምኳኑ ኣብ ቃሉ ዝጠቀሰ ኣምባሳደር ኣዲስ ኣለም፡ ኣብ ናይ መቐለ ዘተ ዝተዋህበ ሓሳባት ኩሉ፡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝግባእ ከመሓላልፍ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ብወገንና ፖለቲካዊ ዘተ ዝጠልብ ጻውዒት፡ ተደጋጋሚ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ካብ ምሃብ ኣየቋረጽናን ዝበለ ኣምባሳደር ኣዲስኣለም፡ እቲ ትማሊ ኣብ መቐለ ዝተካየደ ዘተ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ስጋኣት ኲናት በጺሑ ንዘሎ ኩነታት ትግራይ፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክመርሖ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኦሊሶንጎን ኣበሳንጆ፡ ኣብቲ ኣብ መቐለ ዝተካየደ ዘተ፡ ተቛሪጹ ዝነበረ ዝምድና ህወሓትን መንግስቲ ፌደራል ዳግማይ ናብ ንቡር ንምምላስን፡ ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንምጅማርን ዝጠልብ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተካየደ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ ናብ ትግራይ ንምምላስ ዓሊሙ መገሹኡ የሕጺሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመልሰ እዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኲናት ትግራይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተዂሲ ኣብ ዘየፍቅድ ኩነታት ውዕል ፕሪቶርያ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህወሓት ውዕል ፕሪቶርያ ብወግዒ ከምዝፈረሰ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢታት ኣድያቦ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ውን ዝፍለጥ እዩ።