ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕባእ ዘካየዶ ፈተነ ፈሺልዎ።
ጉጅለ ህግደፍ ስልጣን ፍሉይ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንኸይናዋሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ጎስጓሳትን ሓሶታትን ኣይተዓወተን።
ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ነቲ ኣብ ኤርትራ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንዓመታት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታልን ንምሕባርን፥ ኣብ 2012 ዝቆመ ኢዩ።
ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብቀጻሊ ዘካይዶ ጽንተትን ዕንወትን፥ ዕባራ መመኽነይታን ክሕደትን ብምቕራብ፥ ንጭቡጥ ጸብጻባትን ጥርዓናትን ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት “ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎን ሓቅነት ዝጎደሎን” ብምባል ገበናቱ
ኣይኣመነን።
ብተወሳኺ ጉጅለ ህግደፍ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንኸይኣቱን ዝተማልአ ሓበሬታ ንኸይረክብን ብምኽልካል ካብ ምትሕብባር ሓንጊዱ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንንጥፈታትን ህላወን ፍሉይ ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ ብቐጻሊ ጎስጓሳት ከካይድ እኳ እንተጸንሐ፥ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝነበሮ ብኢሱ እምበር ዝኾነ ለውጢ ስለዘይተራእየ ጠለብ ህግደፍ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ከም ዝፍለጥ፥ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሽቕለትን ፥ ስደት መንእሰያት፥ መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽን እምነት ሃይማኖትን ምኽልካል፥ ብዘይ ክስን ፍርድን ዜጋታት ንዓመታት ምሕያርን ምስዋርን፥ ናጻ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስን ምርጫን ዘይምህላው ሒደት ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ገበናቱ ዝርድኦኳ እንተኾነ፥ እከይ ትግባራቱ ዓለም ከይትፈልጦን ሰልጣኑ ስለዘግድሶንዩ ብቐጻሊ ዘዕለብጥን ካብ ሓቂ ዝሃድምን ዘሎ።
ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ልዕልቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝፈልጦን ዝገልጾን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ግብራዊ ስጉምቲ ማሕበረሰብ ዓለም ግን ብመጠን ኣደራዕን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።