ቅድሚ 6 ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ዝሃለቑን ዝተማረኹን ኤርትራውያን፡ ስድራቤቶምን መቕርቦምን፡ ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ ኮይንዎም፡ ኣብ ከቢድ ስቃይ ወዲቆም፡ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ይኾኑ ምህላዎም ተገሊጹ።
እቶም ኢትዮጵያ ከይትበታተን ተባሂሎም ምስ ሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ኣትዮም ዝሃለቑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ለይቲ ሎሚ መርድእ ስለዘይነገረ፡ ወለድን ስድራቤትን ግዳያት፡ ብኽቱር ጓህን ስቃይን ይሞቱን ብሕዱር ሕማም ይድነሱን ከምዘለዉ፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ክልል ትግራይ ከምኡ’ውን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተኻየደ ኣሰቃቒ ኩናት፡ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣን ሰልፊ ብልጽግና ንምኽልኻል፡ ብዙሓት ክፍላተ ሰራዊትን ብርጌዳትን ሓደስቲ ተዓለምቲ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ባርዕ ከምዝጥበሱ ገይሩዎም ኢዩ።
ኣብ’ቲ ኩናት ዝሞቱን፡ ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ኤርትራውያን ብኣዋጅ ዘይተሓበረ’ኳ እንተኾነ፡ ንግስጋሰ ሰራዊት ትግራይ ንምዕጋትን ነቲ ዝተበታተን ሰራዊት ብልጽግና ንምሕጋዝን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ ስለዝተዋግአን፡ ካብ 40 ሽሕ ክሳብ 80 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝሃለቑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይገልጹ።
ኣብ’ቲ ናይ ኣስታት 3 ዓመታት ዘስካሕክሕ ኩናት ትግራይ፡ ካብ 600 ሽሕ ክሳብ 1 ሚልዮን ህይወት ሰብ ከምዝተቀዝፈ፡ ዓሰርተታ ኣሽሓት በርጌስ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ከምዝተፈጸመን ብብልዮናት ዶላር ዝግመት ንብረትን ትካላትን ትሕተ ቅርጽን ከምዝዓነወን ከምዝተዘምተን ኣህጉራውያን ትካላት ይሕብሩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቶም መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምጽራግ ዝተጋደሉ ኤርትራውያን፡ በብእዋኑ ብገዛእ ኢዱ ዝቀንጸሎምን ዝሰወሮምን ዜጋታት፡ ከም ስውኣት ኣይፍለጡን ወይ ብህይወቶም ከምዘየለዉ ንስድራቤቶም ኣይሕብርን ኢዩ።
ብተወሳኺ እቶም ካብ ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ንምምላጥ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን በብእዋኑ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ከም ኤርትራውያን ክኽሕዶምን ኣብ ሃገሮም ስነስርዓት ቀብሪ ከይፍጸመሎምን ከልኪሉ ኢዩ።
ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ሃለዋት ደቆም ክፈልጡ ኣብ ፈቆዶ ምምሕዳራትን ኣብያተ ጽሕፈትን ከይዶም ብተደጋጋሚ ሕቶታት እኳ ኣንተኣቕረቡ፡ “ንፈልጦ የለን፡ ዳግማይ ከይትሓቱና፡ ከይትመጹና” ዝብሉ መግናሕትን ጸማም እዝንን መልሲ’ዩ ዝወሃቦም።
ለኽሞኛን ኣምሰሉን፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ዘይምነን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኩናት ትግራይ ዘህለቆም ኤርትራውያን ክብሪ ከይሃበን ንስድራቤቶም ከይሓበረን፡ ኣብ መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ፡ ስውኣት ንምዝካር፡ ሽምዓ ክውላዕ፡ ናይ ሕልና ጸሎት ክካየድ፡ ኣግራብ ክትከልን ሰልፊ ክግበርን ክእዝዝ ኢዩ።